top of page
  • bokubatsion

ኤርትራ ዝመበቆሎም ቅዱሳን

Updated: Jan 1



ዋላ’ኳ፡ ከምቲ ኣብ መግለጺ እምነት ዝኾነ ጸሎት ሃይማኖት፡ “ብሓንትን ቅድስትን ልዑላዊትን ኵላዊትን ቤተ ክርስቲያን ንኣምን” ዝብል ጸሎት እንተ ኣሎ፡ ምእመናን ድማ ነዚ ተመልኪቶም፡ “ናትና” “ናቶም” ዝብል ሓሳባት ከርሕቑ ኣምላኽን መንፈሳውያን ሰባትን ዝጽበይዎ እንተ ኰነ፡ ሕቶ ምእመናን ንምምላስ ግና፡ ፍርያት እታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሕቶኦም መልሲ የድልዮ። ሓንቲ ቤተ ፍርያት ዘየፍሪ እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ኣብ መሣርሒታት ጸገም ኣሎ ማለት’ዩ። ቤተ ክርስቲያን’ውን ከምኡ። ምኽንያቱስ፡ ንሳ’ውን ቅዱሳን እተፍሪ ትካል ስለ ዝኾነት። ደፊርና ኣየፍረየትን ከይንብል፡ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ምጽኣት’ውን ከም ዘይፍለያ እሙን ቃል ኢዩ። እሞ እቲ ጸገም ደኣ ኣብ ምንታይ ኢዩ?


እቲ ሓደ ዝርአ ጸገም፡ ሕዝብና ኣብ መዘክር ኰነ ግላዊ ሕይወት ምጽሓፍ ዘሎዎ ሰንኮፍ ኣተኃኅዛ ኢዩ። ግላዊ ታሪኽ፡ ብመልክዕ ገድሊ ይኹን ዜና መዋዕል፡ ንደቂ መዛሙርቲ ሓደ ኣቦ፡ ወይ’ውን ንኣብ ቤተ መንግሥት ዝጽሕፉ ሰባት እተሓድገ ነበረ። እዚ’ውን፡ ኣብ ዳኅረዋይ ዘመን ብፍላይ ድኅሪ ዘመነ ጐንደር እናተዳኸመ ብምኻዱ፡ ኣብ ሓደ ዘመን ዘብቅዐ ኢዩ። ካልእ፡ ቋንቋ ትግርኛ ከም ቋንቋ ዑፍ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ድማ ከም ቋንቋ ንጉሥ ይርአ ብምንባሩ፡ ሕዝብና ይትረፍ ብቛንቋ ትግርኛ ክጽሕፉስ፡ ክዛረቡ’ኳ ብሕፍረት ተሸቝሪሮም ይገብርዎ ነበሩ። ነዚ ንጹር ዝገብሩልና፡ ሚስዮናውያን ናብ ምድረ ኤርትራ ምስ ኣተዉ፡ ትግርኛ ንስበከተ ወንጌል ዝኸውን ቋንቋ ኣይኰነን ቢሎም፡ ብኣምሓርኛ ክሰብኩ ምጅማሮም ኢዩ። ድኅሪኦም ግና፡ እዚ ከም ዘየሥርሖም ምስ ፈለጡ፡ ብትግርኛ ክምህሩን መጻሕፍቲ ክትርጕምን ጀመሩ። ካልኣይ መርትዖ ድማ፡ መቕድማት ይኹኑ ጽሑፋት ደብረ ቢዘን ኣብ መበል ዕሥራ ክፍለ ዘመን እንተ ደኣ ርኢናዮም፡ ብኣምሓርኛ እምበር ብትግርኛስ ኣይነበረን። ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት ድማ፡ ሕዝብና ብዙሕ መሃይምነት ዘየጥፍአ ስለ ዝነበረ፡ ብቕድስና ዝተመልአ ሕይወት ዝመርሑ ዝነበሩ፡ ሰብ ሓዳር ግለ ታሪኾም ዝምዝግበሎም ሰብ የልቦን። ኣብ መወዳእታ፡ ዋላኳ ብቝጽሪ ውሑዳት ክኾኑ እንተ ኸኣሉ፡ ታሪኽ ባሕታውያን ዝመዝግቦ የልቦን። ስለ’ዚ፡ ካብዚ ተረዲእና፡ ቅዱሳን ማለት እተመዝገበ ታሪኽ ጥራሕ ዘለዎም ሰባት ዘይኰነስ፡ ሕይወቶም ካብ ዓይኒ ሰብ እተኸወለ፡ ብኣምላኽ ግና ዘይተሓብኡ ብኣእላፍ ክህልዉ ከም ዝኽእል፡ ክሰሓት የብሉን። ቅዱሳን ማለት፡ ካብ ሰባት ገድሎም ዝተኸወለን ዘይተኸወለን ስለ ዝኾነ።


ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና እምበኣር፡ ታሪኾም እተመዝገበ፡ ኣብ ከባቢኦም በዓል ዝግበረሎም ግና ዘይምዝጉባት፡ ዓለም እትፈልጦ ቅድስና ክወሃቦም ዝኽእሉ ግና ዘይተመዝገቡ፥ ከም’ቲ መእተዊ ገድሊ ዝጅምሮ ቅዲ ሓፂር ገድልታት ቅዱሳን ኤርትራ ንጽሕፍ።



ኣቡነ ድምያኖስ (14 ክ.ዘ.)

ኣቡነ ድምያኖስ፡ ካብ ኣቦኡ በገደ እግዚእ፡ ካብ ኣደኡ ሶስና ኣብ ከባቢ ቡር ተወልደ። በዓለ 245 ቈጽለ ወረቐት ብራና ገዳም ኣቡነ ዮናስ ደብረ ደኁኃን ከም ዘመልክቶ፡ ስመ ጥምቀቱ መኀሬ ክርስቶስ ዝጽዋዕ ኣቡነ ድምያኖስ፡ ዕድሚኡ ንመርዓ ደርዓ ብዝኣኸለ ስድራኡ ኣመርዓውዎ፣ እንተኾነ ግና ክልቲኦም ሓደስቲ መርዑት ብዝነበሮም ክቱር ድሌት ምንኩስና ክምንኩስ ወሰኑ። ናብ ደብረ ሰላም ዝበሃል፡ ደብሩ ንኣቡነ ሙሴ ክምንኩስ ከደ።

Tedros Abraha, Il Gädl di Abuna Demyanos, santo eritreo (XIV/XV sec, Turnhout, Brepols, 2007

ባሲልዮስ

እምባ ደርሆ ዝዓዱ ኣቡነ ባሲልዮስ፡ ገድሉ ዘጽንዖ ሰብ ክሳዕ ዘየልቦ፡ መበቆሉ ኤርትራዊ ምዃኑ ካልእ ዝኅብር ጽሑፍ ኣይረኸብናን። ገድሉ ኣብ እምባ ደርሆ፡ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ከም ዘሎ፡ ምሁር ጥንታውያን ጽሑፋት፡ ዶር. ክንፈ ርግብ ዘለቀ፡ ኣብ መጽሓፎም ይኅብሩ።

Kinfe rigb Zeleke, bibliography of the Ethiopian hagiographical Traditions, JES, vol. 13, no.2, p. 67




ኣቡነ ዮናስ ዘቡር (15 ክ.ዘ.)

ኣቡነ ዮናስ፡ ካብ ኣቦኡ ንዋየ እግዚእ፡ ኣደኡ ኂሩተ ማርያም ኣብ ኅዳር 1352? ቤተ መስቀል ተወልደ። ብንእስነቱ ኣናጓሰየ፡ ልዑል መንፈሳዊ ድሌት ስለ ዝኃደሮ፡ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ናብ እትርከብ ብኣኮኡ አባ ድምያኖስ እትመኃደር ገዳም ከደ። ኣባኡ ድማ ካብ ኣኮኡ መጽሓፈ መነኮሳት፡ ሥርዓተ ምንኵስና፡ ብሉይን ሓዲስን ኪዳናት ተማህረ። ኣብ 19 ዕድሚኡ ድማ ምንኵስና ተቐበለ። ብጾም፡ ስግደትን ጸሎትን ተወሲኑ ነበረ። ብ1428 ንገዳም ደብረ ድኁኃን ገደመ። ኣቡነ ዮናስ ብስብከተ ወንጌል ናብ’ቲ ከባቢ ንነዊሕ ድሕሪ ምግልጋል፡ ዕዮ ጕስነቱ ብዝግባእ ፈጺሙ፡ ኣብ 95 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞተ ሥጋ ተፈልየ። ደብረ ድኁኃን፡ ብዘይካ እቶም ብዙኃት መነኮሳት ኤርትራ፡ ንካልኣይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ያዕቆብ ቀዳማይ ዘፍረየ ገዳም’ዩ። ገድሊ ኣቡነ ዮናስ፡ ብካቶሊካዊ ሊቅ ፕሮ. ቴድሮስ ኣብራሃ፡ ኣብ 2015 ብግእዝን እንግሊዘኛን ተኃትመ።


Tedros Abraha, Gädlä Abunä Yonas Zä-Bur, Patrologia Orientalis, tome 53, fascicule 2, no 236, 2015, pp.302-478



ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዘደብረ ጻዕዳ እምባ (17 ክ.ዘ.)


ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል (1644-1740) ካብ ኣቦኡ ዓንደ ሚካኤል፡ ኣዲኡ ሒሩተ ማርያም፡ ኣብ ደርሰነይ ዓንሰባ ተወልደ። ኣብ እዋን ሕጻንነቱ ካብ ሊቃውንቲ ቅዱስ ገብርኤል ደርሰነይ ግብረ ዲቝና ተማህረ። ቀጺሉ ትምርቲ ንምውሳኽ፡ ናብ ኣድያቦ ትግራይ፡ ቤተ ቂርቆስ ዝበሃል ቦታ፡ ሕይወተ ምንኩስና ካብ ሓላፊ ገዳም ዕንቍ ብርሃን ተማህረን ተላመመደን። ቀጺሉ ናብ ዋልድባ ከይዱ ዝተረፎ ትምህርቲ ተማህረ። ብድሕርዚ ናብ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተቐቢሮምሉ ዝነበሩ ሊባን ወገሪቆ መጺኡ፡ ማሕበር መነኮሳት መሥረተ። ኣብቲ ገዳም ንዝተወሰነ እዋን ከም አበ ምኔት ኰይኑ ድኅሪ ምግልጋል፡ ናብ ደቂ ሽሓይ ጸኒሑውን ናብ ደብረ ሳላ ከደ። ኣብኡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ተቐመጠ። ብዕድመ ንጉሥ ኣድያም ሰገድ (1682-1706) ናብ ጎንደር ንጕስነታዊ ዑደት ድኅሪ ምኻድ፡ ምስቲ ንጉሥ ብዛዕባ ከመይ ቢሉ ክርስትና ይዓቢ ዘተዩ። እቲ ንጉሥ’ውን ኣብ ከባቢ ቦጎስ ዝሕረስ ርስቲ መሬት፡ መጻሕፍቲ፡ ኣኽሊል፡ ወርቀ መስቀል ሃቦ። እቶም መርቀ መስቀልን መጻሕፍትን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወገሪቆ ይርከቡ። ኣብ መወዳእታ፡ በታ ሎሚ ብስሙ ዝጽውዓላ ቦታ፡ ጻዕዳ እምባ ዓንሰባ ከይዱ ገዳም ገደመ። ገድሉ 2002፡2003 ብኣየለ ተክለሃይማኖት ብቛንቋ ጥልያን፡ ብቛንቋ ትግርኛ ድማ ብመም. ክንፈ ርግብ ማርቆስ ተሓትመ።


Ayele Teklehaymanot (2003) Il «Gadla Sayfa Mikā’ēl» di Enda Śellāsē in Ṣā‘dā Embā (Eritrea). Contributo all’agiografia etiopica del XVIII secolo. Orientalia Christiana Periodica 69/1

ክንፈ ርግብ ማርቆስ (መሪ)፡ ታሪኽ ገዳም ጻዕዳ እምባ ሥላሴ ወገድለ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል፡ ኣስመራ፡ 1995?2002?


መወከሲ፡

Kinfe Rigb Zeleke, journal of Ethiopian studies, vol. XIII, no. 2, 1975

Lorenza Mazzei, The Monastery of Ǝnda Abunä Täklä Haymanot in Wägäriqo. II.

Aesthetic Analysis of a Hand Cross in Annale, v.ól. 70, Napoli , Italy, 2010, pp. 43-50



ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ዘደብረ በንኰል (14 ክ.ዘ.)

ቢሓት፡ ባረክናሃ

1313 ገዳም ገዲሞም፡ 9ይ ዓመት መንግሥቲ ዓምደጽዮን፣ 1380 ከባቢ ሞይቶም።

Tedros Abraha, Vie et miracles de Madhanina Egziʼ, Patrologia Orientalis, tome 51, fascicule 4, no 229, 2010, pp.393-582

ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን (17 ክ.ዘ.)


ኣቡነ እንድርያስ ካብ ኣቦኦም ቀሺ መንክር፡ ኣደኦም ፀዳለ ብርሃን ኣብ እገላ ኃመስ፡ ኮርባርያ ብ29 ጥሪ____ተወልደ። ወዲ ኃሙሽተ ዓመት እንከሎ፡ ናብ ደብረ ድማኅ ኣቡነመርቆሬዎስ ከይዱ፡ ከም መጋቢ ኣገልገለ። ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ናብዛ ብሽሙ ትጽዋዕ ዘላ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ደብረ ዕፉን ከደ። “ዕፉን” ዝብል ቅጽል፡ ናብዛ ገዳም ክኣቱ እንከሎ ብብርሃን ተጐልቢባ ስለ ዝጸንሓቶ፡ ዝተዓፈነ ንምባል፡ ብተባዕታዊ ቅጽል “ዕፉን” ተባህለት። ንነዊሕ እዋን ኣብዛ ገዳም ድኅሪ ምግልጋል፡ ብ29 መጋቢት___ ብሰላም ካብዛ ዓለም ኣዕረፈ።



መጽሔት ማዕዶት፡ 2003፡ ቍ ፫


ኣቡነ ማትያስ ዘምራራ (15 ክ.ዘ.)

መኻናት ካብ ዝነበሩ እሞ፡ ኣምላኽ ውላድ እንተ ደኣ ሂብዎም፡ ከም ዝኽስትኑ ቃል ዝኣተዉ ሰብ ኃዳር ብረድኤት ኣምላኽ መበል ሻድሻይ ኰይኑ ተወልደ። እቲ ቀዳማይ ብረድኤት ኣምላኽ ስለ ዝተወልደ “ድኁነ እግዚእ” ዝብል ስም ተሰየመ። ኣቦኡን ኣደኡን’ውን ምስኡ ተጠምቁ። ኣብ ጥምቀቶም ድማ፡ ኣብርሃምን ኂሩተ ማርያምን ዝብል ስም ተዋህቡ። ብዘይካ ድኁነ እግዚእ፡ ፈጣሪ ኃሙሽተ ውላድ ማለት፡ ፈቃደ እግዚእ፡ ባርያ እግዚእ፡ ንዋየ እግዚእ፡ ደጋፊነ እግዚእ፡ ጥሪተ እግዚእ ወለዱ። እታ ሕንሳስ ልደት (ዝነኣሰ)፡ ኃላዊ ጥሪት ነበረ እሞ፡ ከም ስሙ ጥሪት ኣምላኽ ክኸውን ወሰነ። ገዳመ ክምንኩስ ናብ ኣባ ተወልደ መድኅን ዝርከብሉ ከደ። ብትእዛዝ ኣባ፡ ብኢድ ብሊቀ ካህናት ኣባ ስምዖን ድማ መንኰሰ። ብሥጋን ብመንፈስን ምስ ዓበየ፡ ድኅሪ ኣበ ምኔት ፊቅጦር ኣበ ምኔት ኰነ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ገለ መነኮሳት ናብ ንጉሥ ከሰስዎ እሞ፡ ብንጉሥ ካብ ስልጣኑ ወረደ። ምስ 240 መነኮሳት ድማ፡ ናብ ባርካ ተሰጐ። ዕድመ ጸጊቡ ድማ ካብዛ ዓለም ብሞተ ሥጋ ተፈልየ። ገዳሙ፡ ደብረ በረከት፡ ደብረ ብርሃን፡ ደብረ ሰማዕት ዝብል ዝተፋላለዩ ኣስማት ክጽዋዕ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ኣብቲ እዋን’ዚ ብገዳም ኣቡነ ማይታን ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ማይታን ዝብል ስም ግና፡ ብጌጋ ደኣ እምበር፡ እቲ ቅኑዕስ ማስያስ ዝብል ከም ዝኾነ፡ ሊቃውንቲ ይሰማምዑ። እዚ ገዳም እዚ፡ ምስ ባሕሪ ቅርበት ስለ ዘሎዎ፡ ንጸላእቲ ብፍላይ ድማ ቱርካውያን ብዙኅ ግዜ ተጠቕዐን ተዳኸምን። ኣቡነ ማትያስ ሻዱሻይ ወለዶ ካብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምዃኖም ይእመን። ብኸምዚ ገምጋም ሓደ ወለዶ—----- ብምቝጻር፡ ኣብ ከባቢ —---- ዝነበረ ክኾነ ከም ዝኽእሉ ይግመት።




ብጹዕ ኣምላኽ ኰዳዱ (15 ክ.ዘ.)

ካብ ኣቦኡ ያፍቅረነ እግዚእ፡ ኣደኡ ዘመደ ማርያም ኣብ ዓዲ እምኒ ጸሊም ብ1425 ዓ.ም. ተወልደ። ብሕፃንነቱ ናብ ደብረ ቢዘን ክመሃር ከደ። ኣብ መንገዱ ኣብ ዓደርዓዳ ዝነብራ ንዘበራ ገዳማውያን ኣደታት ነዚ ሕፃን ምስ ረኣያ፡ ብሓቂ ኣምላኽ መንፈሱ ዘኅደርሉ ብምባል፡ “ብፁዕ ዝመሃሮ” ክብላ መጐሳኦ። ኣብ ደብረ ቢዘን ብዝበጽሐ፡ ወዲ 15 ዓመት ከሎ፡ ብኢድ ኣቡነ ጴጥሮስ ኃላፊ ገዳም ምንኩስና ኣስኬማ መላእክት ተቐበለ። ጸኒሑ፡ ካብ ግብጻዊ ኣቡነ ይስሓቅ፡ ኣብ ደምባ ምጭ መዓርገ ዲቁናን ክህነትን ተቐብአ። ወዲ 28 ዓመት እንከሎ፡ ናብ ደብረ ዳሞ ትምህርቲ ክውስኽ ከደ። ኣብኡ ድማ 5 ዓመት ተቐመጠ። ግብረ ምንኵስናን ተግባር እድን ድማ ተማህረ። ኣብ መበል 41 ዓመቱ ናብ መበቆል ዓዱ ተመልሰ። ኣባኡ ድማ ን30 ዓመት ተቐመጠ። ንተቐማጦ ጽልማ ወንጌል እናመሃረ ድማ ኣገልገለ። ኣብ መበል 75 ዕድሚኡ ድማ፡ ብዕለት 9 ግንቦት 1500 ዓ.ም. ድማ ዓረፉ። ጸሓፊ ገድሉ፡ ሓደ ካብ ደቀ መዝሙሩ ዝነበረ ኣቡነ በኵረ ድንግል ኢዩ። ካብ ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ፡ ክሳዕ ሕጂ 97 ኣቦታት መራሕቲ ገዳም ፈርዮም ኣሎዉ። ገድሎም ብግእዝ ብናይ ሽዕኡ ኣባ ኃይለ ማርያም፡ ናይ ሎሚ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ብ1981 ተጻሕፈ። ንሶም፡ ሓደ ካብቶም እታ ገዳም ዘፍረየቶም፡ አበ ምኔት ኢዮም።


ምንጪ፤ ኃይለ ማርያም ተስፋሥላሴ (አባ)፡ ገድሊ ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ፡ ኣሥመራ፡ 1981 ዓ.ም.



ብሩኽ ኣምላኽ


ትውልዲ ዓዲ መራጉዝ ኰይኑ፡ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ዘፍረዮም ኣቦታት ሓደ’ዩ። ካብ ኣቦኡ ቴቆቅሪጦስ

ተክለሃይማኖት ዘወገሪቆ (17 ክ.ዘ.)

ብወለዶ ምንኩስና፡ ኣቦ ሓጐ ኣባ ሠይፈ ሚካኤል መሥራቲ ደብሪ ጻዕዳ እምባ ዝኾኑ ኣቡነ ተክለሃይማኖት፡ ኣብ ገርገራ፡ ከባቢ ደቀምሓረ ተወልዱ።

  • ዕረፍቶም 24 ጥቅምቲ

  • ልደቶም ዮሐንስ ሃካይ፡ 24 ኣብዑር ሓሪዱ ክብረ በዓል የብዕል ነይሩ።



ኣቡነ ዮሓንስ ዘደብረ ቢዘን (15 ክ.ዘ.) 1406 ዓ.ፈ. ኣቡነ ፍሊጶስ ምስ ዓረፉ፣ ዓለም ምሃረና፡ አሕሳእ፡ ዓደ ኣርባዕተ፡ ሰገነይቲ



ተወልደ መድኃን ዘደብረ ማርያም (15 ክ.ዘ.)



ተወልደ መድኅን ዘደብረ ቢዘን (15 ክ.ዘ.)

ወዲ ሎጐ ሳርዳ፡ ጸሮና



ታዴዎስ ዘባርታርዋ (15 ክ.ዘ.)

5 ከባክብት ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ዘመንኮሶም፡

ዕንቍብርሃ ዘድቅ ሽሓይ(17 ክ.ዘ.)

ባርካን ዓንሰባን ክርስትና ዘስፍሓፍሑ

ኣቡነ ማትያስ ዘዓዲ ቀ (14 ክ.ዘ.)

ወዲ ዓዲ ሽማግለ


ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ ዘወገሪቆ (20 ክ.ዘ.)







ፊቅጦር

ኣብ ዘመን ኣቡነ በጽሎተ ሚካኤል ዝነበረ ኣቦ ኰይኑ፡ ኣብ ቤተ ሰማዕት ዝበሃል ቍሸት፡ ሰራዬ ካብ ኣቦኡ ተጠምቀ መድኅን ኣደኡ አመተ ማርያም ተወልደ። ኃሙሻይ ኣበ ምኔት ደብረ ማርያም ቆሓይ ዝኾነ ኣባ ፊቅጦር፡ ኣዝዮም ብንባብ ዝተጸምዱን ዘይረኸብዎ መጻሕፍቲ ዝእሉሹን ብምንባሮም፡ “ኀሣሠ መጻሕፍት- ኣላሺ መጻሕፍት” ወይውን ኣብ ትርጕም ልዑል ብቕዓት ብምንባሮም፡ “መተርጕም፡ ብሉየ፡ ወሐዲስ- ትርጓሚ ብሉይን ሓዲሽን” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ተባሂሎም ይጽውዑ። ገድሉ ኣብ ዓጽፈ ንፋስ ኪዳነ ምሕረት፡ ማይ ጻዕዳ ሰራዬ ይርከብ። ብቋንቋ ግእዝን ጥልያንን፡ ቴድሮስ ኣብራሃ ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣኅተሞ።


Gadl di Abuna Tawalda-Madehn e di Abuna Vittore (ed. Abraha, 2010

Kinfe Rigb Zeleke, journal of Ethiopian studies, vol. XIII, no. 2, 1975, p.72




Mecarius (Abba), The Ethiopian servant of God,St Shenouda Press,2009

https://dacb.org/stories/eritrea/abuna-abd-el-mesih/


5 views0 comments

Related Posts

See All

CAe 3585) ዛቲ፡ መጽሐፍ፡ ዘአቡነ፡ ቀሲስ፡ ወልደ፡ ኪዳን፡ ወልዱ፡ ለፍስሐ፡ ጽዮን፡ ዘተሣየጣ፡ በወርቁ፡ ከመ፡ ትኵኖ፡ መድኃኒተ፡ ሥጋ፡ ወነፍስ፡ ምስለ፡ ብእሲቱ፡ ወደቋቁ፡ ምስለ፡ ተአምሪሃ፡ ዘወሀባ፡ ለመቅደሰ፡ ጻድቃን፡ ወደብልዋ፡ መጠራ። ዘሠረቃ፡ ወዘፈሐቃ፡

ካብ ልደት ክሳዕ ብጽሕና ኣብ መበል ዓሠርተው ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ሓበሻ ካብ ዝነበሩ ቀባእቲ ቅዱሳን ሥዕላት፡ ብጂኦግራፍያዊ ዝርጋሐ ኣሣዕሎምን ዝኽተልዎ ቅድን ኣብ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያን ዝዝከሩ፡ ንወፃእተኛታት ተመራመርቲ ቅዱሳን ኣሣዕል ምድረ ሓበሻ (Ethiopic Iconography) ኣቓልቦ ዝሰሓቡ

bottom of page