• bokubatsion

ሃለቃ እስጠዝያ፡ ቀባኢ ቅዱሳን ሥዕላት (1872-1942)

Updated: 13 hours ago


ካብ ልደት ክሳዕ ብጽሕና ኣብ መበል ዓሠርተው ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ሓበሻ ካብ ዝነበሩ ቀባእቲ ቅዱሳን ሥዕላት፡ ብጂኦግራፍያዊ ዝርጋሐ ኣሣዕሎምን ዝኽተልዎ ቅድን ኣብ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያን ዝዝከሩ፡ ንወፃእተኛታት ተመራመርቲ ቅዱሳን ኣሣዕል ምድረ ሓበሻ (Ethiopic Iconography) ኣቓልቦ ዝሰሓቡ፡ ሃለቃ እስጣዝያ'ዮም። ኣብ 20 ኪ.ሜ. ካብ ኣስመራ ተደኲና እትርከብ ሕምብርቲ ኣብ ከባቢ 1872 ካብ ተወላዲ ወድ ሕምብርቲ ኣቦን፡ ጓል ዓዲ ዃላ ኣደን እተወልዱ ሃለቃ፡ ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕምብርቲ "ገብረ እግዚአብሔር" ብዝብል ስም ተጠምቁ።


ኣብ ንእስነቶም ትምህርተ ዲቁና ካብ ዓዶም ማርያም ሕምብርቲ ድኅሪ ምምሃር፡ ብግብረ ዲቁና ተቐብኡ። ቅኔን ያሬዳዊ ዜማን ድማ ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ኣቦታት ተማህሩ። ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን እንከሎዉ ድማ፡ ኣብኡ ካብ ዝነበሩ ኣቦታት ሓደ፡ መምህር ገብረ ጊዮርጊስ ዘጎጃም ቅብኣ ቅዱሳን ሥዕላት ተማህሩ። ኣብ ሕይወቶም ውፉይ ክርስቲያን ዝነበሩ ሃለቃ፡ ኵኖ ግብረ ዲቁና ዝኸይድ ምናኔ ሕይወት ክኃድሮም ጀመረ። ካብ ደብረ ቢዘን ንኣክሱም

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ክብረ በዓል ማርያም ኅዳርጽዮን ኣክሱም ነበረ እሞ፡ ፍቅረ ማርያም ዝኃደሮም ሃለቃ፡ ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ተላዒሎም፡ ናብ በረኸተ ጽዮን ንምቕባል ናብ ኣክሱም ኣምርሑ። ቤተ ክርስቲያን ማርያም ጽዮን ተሳሊሞም፡ ኣቦታት ተሳሊሞም፡ ሰላም ለኪ ኢሎም ዳዊቶም ደድኅሪ ምድጋም፡ ድርሳነ ማርያም ኣብ ትሕቲ "ሥዕሊ ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ" ዘሎዎ ቅዱስ ሥዕለ መንደቅ ኴይኖም ኣብጽሑ። ከብጽሑ ከሎዉ፡ ብዝኃደሮም ድኻም ይኹን ብተምሳጥ፡ ቀብ ኣበሉ። ኣብ ቀምታኦም ድማ ከምዚ ሓለሙ፤ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሠለስተ ጻዕዳ ዕጣን ክህትህቦም ከላ ሓለሙ። ብር ብዝበሉ፡ ሕልሞም ዘካፍልዎ እሞ ዝፈትሓሎም መምህር ኣናደዩ። ንቅብኣ ሥዕሊ ተማሃራዮም ሃለቃ ዮሓንስ ድማ ኣካፈልዎ። እንተኾነ ግና ሃለቃ ዮሓንስ ሕልሞምሲ ክፈትሓሎም ኣይከኣለን። ንሕልሞም ድማ፡ "ብሠለስተ ውላድ ክባረኽ'የ" ማለት'ዩ ኢሎም ተርጐምዎ። ብድኅሪ'ዚ ሃለቃ ናብ ኤርትራ ኣይተመልሱን።


ካብ ማርያም ጽዮን ኣክሱም ናብ ገዳም ቅድስት ሥላሴ ጭኽ


ድኅርዛ ሕልሚ እዚኣ፡ ሃለቃ ኣንጻር ሕልሞም ካብ ኣክሱም ናብ ተንቤን እትርከብ ገዳም መካነ ሕይወት ቅድሥት ሥላሴ፡ ሕይወተ ምናኔ ክነብሩ ከዱ። ከም ሕገ ገዳም መጠን ድማ፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብኣምክሮ ጸንሑ። ቈብዕ ምንኩስና ሰፍዩ፡ ልብሰ ምንኩስና ኣሊሙ፡ ቈብዕ ዮሓንስ ሠሪሑ፡ ጸጕሪ ርእሱ ተላጽዩ ድማ ምንኩስና ንኽቕበል፡ ናብ ውሽጢ ገዳም ኣምርሐ'ሞ፡ ሥርዓተ ምንኵስና ዘጳኵሜስ ተፈጸመሉ። ከም ሥርዓት ገዳም፡ ድኅሪ ሥርዓተ ፍጻመ ምንኩስና ቅዱስ ቁርባን ካብ ኢድ ቀዳስያን ክቖርብ ቀረበ። እናቖረበ እንከሎ ግና፡ በየን ጸንሑ ዘይተባህሉ ሠለስተ ሃመማ ናብ ኣፉ ኣተዉ። (ሥዕለ ቅዱስ ቅርባን mms) ከምዚ ከጋጥም እንከሎ ዝበዝኅ ግዜ፡ ቆራቢ ሥጋኡን ደሙን ንኽወስድ ኣይበቕዕን'ዩ ስለ ዝሕሰብ፡ ሃለቃ ብዙኅ ጐሃዩ። ኣበ ምኔት እቲ ገዳም ግና ጸዊዖም፡ ንምንኩስናዊ ሕይወት ከም ዘይተጸውዐን፡ መኽሊቱ ብሕገ ከብካብ ተመርዕዩ ክነብር ከም ዘሎዎ፡ ኣምላኽ ድማ ብሠለስተ ደቂ ከም ዝባርኾ ነገርዎም። ካብ'ቲ ዝሓለምዎ ሕልምን ቀዲሞም ባዕሎም ዝፈትሕዎን፡ ክሃድሙ ዘይግባእ ድማ ተሰወጦም። ጭኽ ኣብ ጣንቋ ኣበርገለ ዝርከብ ቦታ ኰይኑ፡ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ወዲ 15 ከሎዉ፡ ዓደቦኦም ገዲፎም ዝመንኰስሉ ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ።


ኣብ ጭኽ እንዳ ሥላሴ

ካብ ገዳም መካነ ሕይወት ቅድስት ሥላሴ ብዝተመልሱ፡ ግብረ ምንኩስና መኽሊቶም ከም ዘይኰነ፡ ምስ ውሽጦም ተሰማምዑ። ጓል እቲ ዓዲ ዝኾነት ወይዘሮ ኣስናቀሽ ድማ፡ ብሕገ ከብካብ ተመርዓዉ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕልሚ ዝተራእየቶም፡ ብሠለስተ ደቂ ማለት ብየሹምነሽን ኣዳነሽን ዝተባህላ ኣዋልድ፡ ብፍጻሜ እተሰምየ ወዲ ባረኾም። ወዶም ኣሰሮም ብምስዓብ፡ ግብረ ክህነት ተቐቢለ። ብዘይካዚ፡ ሞያ ቅብኣ ሥዕሊ ኣቦኡ ወረሰ። ሃለቃ እስጣዝያ ዋላኳ ምርዑው እንተ ነበሩ፡ ብዝነበሮም ክቱር ድሌት ምንኩስና፡ እንተዘይመንኮስኩስ ካብ መነኰሳት ዝነበርሉ ርሒቀ ክነብር ኣይግብኣንን ብዝብል ድሌት ኣብ ጥቃ ገዳም ቅድስት ሥላሴ ቤት ንኽሠርሑ ሓሰቡ። ገዳም'ውን ኣፍቀድሎም። ሓሪሶም ዝነባበሩላ ንኡሽተይ ቃጽዖ መሬት'ውን ሃብዎም። ብዘርእይዎ ዝነበሩ እሩም ናብራ ክርስትና ኣመና ዝተመሰጡ መነኮሳት እቲ ገዳም፡ ንሃለቃ ከም ክቡር መነኮስ ይሓስብዎምን የኸብርዎምን ነበሩ።




ዕዮ ቅብኣ ቅዱሳን ሥዕላት

ሃለቃ ብሞያኦም ቅዱሳን ሥዕላት ዝሠዓሉለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ካብ ብዝኀን እተላዕለ፡ ቍጽረን ኣይፍለጥን'ዩ። ብዝጋሐ ግና ካብ ኤርትራ፡ ትግራይን ጎጃምን ይርከባ። ኣሳናዳኢ እዚ ጽሑፍ ምስ ፕሮ. ሚካኤል ግሮቨር ተመራማርን ሰናዲ ቅዱሳን ሥዕላት ምድረ ሓበሻን ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝተለዋወጦ መልእኽቲ፡ ሃለቃ ኣስታዝያ ዝሠዓልዎም ቅዱሳን ኣሣዕል ልዕሊ 100 ከም ዝበጽሑን ኣረዲኡ። ገለ ካብተን ብ400 ማርያ ትሬዛ ቅዱሳን ኣሣዕል ዝሰዓልሎም ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን፤ ገዳም ኪዳነ ምሕረት፡ ቀቀማ ተምቤን፡ ትግራይ

ገዳም ቅድስት ሥላሴ፡ ጭኽ፡ ተምቤን፡ ትግራይ

ገዳም ቅድስት ድንግል ማርያም፡ መልፋ፡ ተንቤን፡ ትግራይ

ገዳም ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ሩባክሳ

ቤተ ክርስቲያን ገብረ መንፈስ ቅዱስ መንያ፡ ተንቤን

ቤተ ክርስቲያን እንዳ ኢየሱስ፡ ገለበዳ፡ ተንቤን

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ፡ ኮኽሎ እንደርታ

ቤተ ክርስቲያን ድንግል ማርያም ዓዲ ኳላ

ቤተ ክርስቲያን ድንግል ማርያም ሕምብርቲ

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ተክለሃይማኖት ሊባን

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል፡ ዓዲ ራእሲ

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ድረስገ፡ ሰሜን ጎንደር

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ጀህጀህ፡ ወገራ፡ ጎንደር


ንገዳም ቅድስት ሥላሴ ጭኽ ብነጻ ስለ ዝሰዓለሎም፡ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ገዳም "መሐራ እግዚኦ ለነፍስ ገብረ እግዚአብሔር ወነፍሰ ወለተ ሚካኤል" ኢሎም ከም ዝዝክርዎም፡ ግርም ኤልያስ እተባህለ ተመራማሪ ታሪኾም ኣብ ዝጸሓፎ ኃጺር ታሪኾም ይገልጽ።


እስጣዝያ ዝብል ስም ከመይ ቢሉ ወፆም?


ሃለቃ፡ ንግዚኡ ስሞም ኣይፈለጥናዮምን። እስጣዝያ ኰነ ገብረ እግዚአብሔር መጸውዒ ስሞም ኣይኰነን። ገብረ እግዚአብሔር ስመ ክርስትኖኦም ምዃኑ ኣብ ላዕሊ ርኢና ኔርና። እስጣዝያ ማለትከ? ኣቦታት ንሓደ ዝተማህረ ዝበልዎ ሰብ ዝጽውዕሉ ቅጽል ኣሎ። ንኣብ 16? ክ.ዘ. ዝነበረ ናብ ምድረ ሓበሻ ዝመጸ ፕሮተስታንት፡ ብትምህርቱ ዝተጸልዉ ሰባት መዓልም ጴጥሮስ ይብልዎ ኔሮም። መዓልም ማለት፡ መምህር፡ ዓላሚ ማለት'ዩ። እስጣዝያ ዝብልውን ተመሳሳሊ ትርጕም ከይህልዎ ኣይተርፍን። ብቋንቋ ዓረብ፡ መምህር እስታዝ ይበሃል። ተን ጠን ተወሃሃብቲ ፊደላት ብምዃኖም፡ እስጣዝ ክኸውን ይኽእል። ያ ዝብል ድኅረ ዘፈር ድማ፡ ከም ኦ ዝብል ቅድመ ወይ ድኅረ ዘፈር ዝርከብ ንኣኽብሮት እንጥቀመሉ ፊደል'ዩ። እግዚኦ> እግዚእ ኦ ወይ ኦ ጐይታ። እማሆይ > እማ ሆይ> ዎ ኣደ! ወዘተ. ከም መርትዖ ክቐርቡ ይኽእሉ። ስለዚ እስጣዝያ ዝብል ቅጽል ደኣ እምበር፡ ስሞምስ ኣይኰነን። በረኸት ሠዓሊ ሃለቃ እስጣዝያ ምስ ኵላትና ይኅደር። ጥበቡ ይዓድለና!



መወከሲታት Balicka-Witakowska, E. 2005. ‘Ǝsṭäzya’, in S. Uhlig, ed., Encyclopaedia Aethiopica, II (Wiesbaden: Harrassowitz Verlag, 2005), 387b–388a. Girma Elias 1997. ‘Aläqa Esterzia’s Church painting and the Sources of their Captions in Sacred Books’, Bulletin de la Maison des Études Éthiopiennes, 11 (1997), 85–95.

3 views0 comments

Related Posts

See All