top of page
  • bokubatsion

ቍንጣሮ ሓሳብ ብዛዕባ ወደብ ገበዝ

ብዛዕባ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ዝጽሕፉ ሊቃውንቲ፡ ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ ከይተንከፉ ኣይኃልፉን። እቶም ኣዱሊስ መበገሲ ጌሮም ዝጽሕፉ ብወገኖም፡ ስመን ካብ ዝጠቕሱወን ቦታታት ሓንቲ፡ ገበዝ‘ያ። ንኣዱሊስ ዝጠቕሱ ጸሓፍቲ፡ ከም “ነቶም ኣብ በዓትታት ዝቕመጡን ኢትዮጵያውያንን ዓባይ ማእከለ ሸቐጥን”፡ “ማእከላይ ዝዕብየታ ዓዲ” ክብሉ ይቘርሕዋ። ብዛዕባ ገበዝ ክጠቅሱ ኸሎዉ ድማ፡ ማርሳ ኣዱሊስ ይብልዋ። (Bowersock 2013:29, (Sundström,1910,181) እምበኣር፡ ካብ ሽማ መሠረት ጌርና፡ ምስኣ ዝዛመዱ ታሪኻዊ ሓድግታት ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ጥንታዊ ታሪኽ ከባቢና ብፍላይ ድማ ክሳዕ ውድቀት ኣክሱም ርኢና፡ ብዛዕባ ወደብ ገበዝ ከምዝን ከምትን ግምታት ከነቕርብ ይከኣል፤


1. ገበዝ ዝብል ስም ትርጕሙ እንተ ኣሊሽና፡ ብመሠረት መዝገበ ቃላት ግእዝ-ሮማይስጥ ዲልማን፡ “ወሓዚ፡ ሓላዊ፡ ኃላፊ” ዝብል ትርጕም ንረክብ። (Dillmann,1865:1174) ኢጣልያዊ ተመራማሪ ሮዚኒ ኣብ 1904 ዝጸሓፎ ገድለ ያሬድ ወጰንጠሌዎን “ገበዘ” ንዝብል ቃል፡ “ ንዑኬ ፡ ኵልክሙ ፡ ሕዝበ ፡ ክርስቲያን ፡ ደቂቃ ፡ ለጽዮን ፡ ገበዘ ፡ አክሱም” ዝብል ጽሑፍ ይጠቅስ። (Gadla Yārēd 1904:4) ገበዝ ዝብል ቃል እምበኣር ብፍላይ ኣብ ዘመነ መንግሥት ዘርአ ያዕቆብ ብዘይካ ንአክሱም ጽዮን ንኻልእ ኣይጠቅስን። ንምሳሌ ዝኣክል “ሠራዕኩ ፡ ወአውገዝኩ ፡ አነ ፡ ዘርአ ፡ ያዕቆብ ፡ ወልደ ፡ ዳዊት ፡ ከመ ፡ ኢይባእ ፡ ኀበ ፡ እምነ ፡ ጽዮን ፡ ገበዘ ፡ አክሱም ። አንበሳ ፡ ወፈረስ ፡ ወበቅል ። ወአውፋሪ ፡ ዘረፍታ” ክጥቀስ ይከኣል። (Liber Axumae 1909:4-6) ካብዚ ተበጊሶም ድማ፡ ብዙኃት ተመራመርቲ ገበዝ ዝብል ቃል፡ ኣምሳያ ቃል ካቴድራል ይጥቀምሉ። መትሮፖሊታን ዝብል መዓርግ በዚ እዋን እዚ ኣብ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ መሳልለ መዓርግ፡ ካብ ጳጳሳት ልዕል ዝበለ፡ ካብ ፓትሪያርክ ድማ ትኅት ዝበለ ኃላፍነት‘ዩ። ኣበጋግሳኡ እንተ ርኢናዮ ግና፡ መትሮፖሊታን ማለት ብቋንቋ ግሪኽ፡ ዓቢይ ከተማ ማለት‘ዩ። ብኸምዚ መትሮፖሊታን ዝብል መዓርግ ጵጵስና፡ ንዓበይቲ ከተማታት ዝሥየም ጳጳስ ማለት‘ዩ። ኣብ መፈጸምታ 1ይ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ደራሲ Periplus of the erythraean Sea እውን ንኣክሱም “እታ ኣክሱም እተሠምየት መትሮፖሊታን” ክብል ይጠቅሳ። ካልእ ኣብ ዘመነ መንግሥት ንጉሥ ኢዛና ሓንቲ ካብተን ንኡሰ መንግሥት (sub kingdoms) ዝነበራ፡ ገበዝ‘ያ። ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣብነታት ምርኩስ ጌርና እምበኣር ገበዝ ዝብል ስም፡ እንተ ወሓደ ሊቀ ካህናት እንተ ዓበየ ድማ ጳጳስ ኣዱሊስ ዝነበረላ ዝነበረ ክትከውን ከም እትኽእል፡ ካብዞም ልዒልና ዝረኣናዮም ኣመኽንዮታት ክግመት ይገኣል። ምኽንያቱስ፡ ዓቢይ ቤተ መቕደስ (ካቴድራል) ብዘይ ልዕል ዝበለ ጳጳስ ይኹን ሊቀ ካህናት ክሕሰብ ስለ ዘይክኣል። ኣቦታትና‘ውን ብስም ተቐማጢ ተበጊሱ ዝወሃብ ስም ቦታ እንከልዕሉ “በስመ ፡ ኀዳሪ ፡ ይጼዋዕ ፡ ማኅደር” ይብሉ።





2. እግዚኣብሔር ንሙሴ ነቲ ሕዝበ እስራኤል ብበትሪ ዘቢጡ ዝመቕሎሞ ዝሳገርዎ ባሕሪ ክእዝዞ እንከሎ፡ "ወሑር ፡ ኀበ ፡ ፈርዖን ፡ በጽባሕ ፡ ናሁ ፡ ኀበ ፡ ማየ ፡ ተከዚ ፡ ይወፅእ ፡ ውእቱ ፡ ወይቀውም ፡ ወተቀበሎ ፡ ኀበ ፡ ገበዘ ፡ ተከዚ ፡ ወለእንታክቲ ፡ በትር ፡ እንተ ፡ ኮነት ፡ አርዌ ፡ ምድር ፡ ንሥኣ ፡ በእዴከ ፤ ንብግሆኡ ናብ ፈርዖን ኪድ፡ ናብቲ ወኃዚ ማይ ብዝቐረበ፡ ንስኻ ድማ ክትራኸቦ ናብ ደንደስ ወኃዚ ብዝቐረብካ፣ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ኃዝ" (ዘፀ.7፡15)(ትር. ባዕል) ይብል። ኣብዚ ዝረኣናዮ ጥሑበ ጽሑፍ፡ ገበዝ ዝብል ቃል፡ ንደንደስ ሩባ የመልክት። ገበዝ ዝርከበሉ ቦታ ድማ፡ ኣብ ገምገም ሩባ ሓዳስ'ዩ። XXXXX





3. ሽወደናዊ ሱንደርስትሮም ብ1905-06 ኣብ ኣዱሊስ ዝገበሮ ኰለላን፡ ንኢኖ ሊትማን ኣብ ዝሰደዶ ጽሑፍ ብዛዕባ ገበዝ ከመዚ ክብል የስፍር፤ “ብመሠረት ግሪኻውያን ጸሓፍቲ፡ ዕስራ ኦሎምፒያ ስታድያ ማለት 3500 ሜትሮ ካብ ኣዱሊስ ተደኲና ትርከብ” ይብል እሞ፡ ናበየና ወገን ከም ዝኾነት ግሪኻውያን ስለ ዘይጸሓፉ ግና፡ ንተወለድቲ እቲ ከባቢ ንተወሳኺ ኃበሬታ ይሓትት። ንሶም ብዝኃበርዎ መሠረት ድማ፡ ገበዝ ንሸነኽ ደቢባዊ ምብራቅ ካብ ኣዱሊስ ወይ ድማ፡ ደቡብ ካብ ማልካቶ ምዃና ይጠቅስ። 61 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዝምንውሑ ጎብ፡ ቀስ ኢሉ ዝትሕት ገምጋም ባሕሪ ምስ ረኸበ ሽሙ፡ ነቶም ደቂ ከቢቡ ብዝሓተተ “ገሜዝ“ ዝብል ቃል ይነግርዎ። ገሜዝ ዝብል ቃል፡ ብሰሜቲካዊ ቋንቋ ፊደል በን መን ኣብ ድምጺ ይለዋወጡ ብምዃኖም፡ ቀሊል መረዳእታ ኣብ ልሳን ትግርኛ፡ ዘመን ንምባል ዘበን ዝብሉ ሰባት ምጥቃስ ይከኣል። ስለዚ ገሜዝን ገበዝን ሓደ ቃል‘ዩ። ዋላ'ኳ ሽወደናዊ ተመራማሪ ሥነ ኵዕታ ሱንደርስትሮም ቅሩብ ኣፋፍኖት ቦታ ገበዝ እንተ ረኸበ፡ ድኅሪ ብዝተገበረ ዳኅሥሥ ግና ልክዕ ቦታ ገበዝ ክርከብ ኣይተኻለን። (Phillipson, D. W. 28:2009) ቀዲሙ ብዝነበረ ኃበሬታ ግና እዚ ቦ‘ታዚ በሪኽ ብምዃኑ፡ ኣዱሊስ ድማ ኣብ ለጥላጥ ቦታ ብምርካባ፡ እቶም ቀዳሞት ግሪኻውያን ድማ ንተቐማጦ ኣዱሊስ፡ ተቐማጦ በዓትቲ ብምባሎም፡ ምናልባትዶ ተቐማጦ ኣዱሊስሲ፡ ምቕማጦም ገበዝ ኔሩ ይኸውን ዝብል ሕቶ ክለዓል ይከኣል‘ዩ።


4. ቀዳሞት ሕዝብታት ቅድሚ ከምዚ ሎሚ ነዊሕ ዝኸይድ ተተኳሲ ነገር ምምሃዞም፡ ሥፍራኦም ብሓፁር ከሊሎም፡ ኣብ በሪኽ ስፍራ ኰይኖም ጸላእቶም ንዝበልዎም ይከላኸሉ ነበሩ። እቲ ምንታይሲ፡ ቀዳሞት ሰባት ክሳዕ ምምጻእ ብሔረ ኣጋእዝያን እንተ ርኢናውን ነቶም ቅድሚኦም ዝመጹ ኩሽ-ኣገው ደፊኦም ኣብ ከበሳታት ማለት በረኽቲ ቦታታት ከም ዝቕመጡ፣ ሹመኛታት ከባቢና ከም በዓል ራእሲ ወልደሚካኤልውን ምቕማጦም ካብቲ ዓዲ ኣብ ብርኽ ዝበለ ሥፍራ ነበረ። ብኸምዚ ገበዝ ዝብል ቃል፡ ሓለዋ ዝብል ቃል/ውን ስለ ዘመልክት፡ እዚ ገበዝ ዝበሃል ቦታ፡ በሪኽ ብምዃኑ ንኣዱሊስ ከም መሐለዊ ቦታ የገልግል ኔሩ ዝብል ትርጕም ክወሃቦ ይከኣል‘ዩ። ኣብዚ ትሒቱ ቀሪቡ ዘሎ ሥዕሊ ብግሪኽ እተጻሕፈ ጽሑፍ፡ "ድጓና ገበዝ፡ ሳምዲን መንገዲ ኣክሱምን" ይብል። ብርኽ ዝበለት ገበዝን፡ ኣብ ለጥላጥ ቦታ እትርከብ ኣዱሊስን ኣብ ቅድመ ኣዒንትና እንተ ሥዒልናየን፡ ገበዝ መቐመጢት ንብረት ኣታዊ ዓዲ (ከም ግምሩክ) ክትከውን እትኽእለሉ መንገዲ ብዙኅ'ዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ኣዱሊስ ብዙኅ ሳዕ ብወረርቲ ትጥቃዕ ስለ ዝነበረን፡ ቃልዕ ስለ ዝኾነትን። (Wolska-Conus, 1968)


1.ΤΕΑΩΝΙΟΝ ΓΑΒΑΖΑΚ -መንበሪ ሰብ ገበዝ

2: αιαουαις - ኣይዶሊስ

3. θάλασσα - ባሕሪ

4 . γαμδι - ሳምዲ

















5. ቅድመ ክርስትናን ክርስትና ዝጸለዉ ቀዳሞት እምነታትን እንተ ርኢና፡ ሥርዓተ እምነቶም ኣብ በሪኽ ቦታ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ክጠቅሱ ከሎዉ። (Walter, 1916፣ Turner 1979) በሪኽ ቦታ ከም ምልክት ክብሪ፡ ልዕልና ይርአ ብምንባሩ ድማ፡ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ሰባት ኣብ ናብራኦም ተላቒቖም ንናሕሲ ሰማይ ክርእይሉ ኣብ ዝቐረበ ቦታ ከይዶም ጸሎት ይገብሩን መሥዋዕቲ የቕርቡን ነበሩ። እስራኤላውያን ከም ከም ሓደ ካብቶም ሥርዓተ ኣምልኽኦም ዝፍጽሙ ዝነበሩ ሕዝቢ ብምዃኖም እናሳዕ ብነብያቶም ተመሪሖም ኣብ በሪኽ ቦታ፡ ምኩራብ ክሠርሑ ንርኢ። ኩርባ ዝብል ስም‘ውን ምብራኹ ዝተላዕለ ጥራኅ ዘይኰነስ፡ መፈጺሚ ኣምልኾ ምኻኑ ይኅብር። ክርስቶስውን ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ንሓዋርያት ናብ እምባ ዘይት(ኣውሊዕ) ወሰዶም። ብኸምዚ ገበዝ፡ ብጥንታዊ እምነታት፡ ቅዱስ ስፍራ ከም ደብረ ደማ፡ ደብረ ሲና፡ ደብረ ቢዘን ኔሩ ክኸውን ይኽእል?


6. ካሮል ሃፍ ብዛዕባ መበቆል ኣስማት ከባቢታት ኣብ ዝጸሓፎ ተርናዕ መጽሓፉ፡ ካብ ስም ከባቢ ተበጊሶም ሰባት፡ ወድ እከለ ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ይጠቅስ። ንሱ ኣብ ሆላንድ ንዝርከባ ዓድታት ብፍሉይ ብምጥቃስ፡ መርትዖታቱ የቐምጥ። ኣብ ሃገርናውን ብውልቀይ ዝፈልጦ መርዓዊ ዝስሙ ወዲ ዓዲ መርዓዊ ምሳሌ‘ዩ። ካብ ነገሥታት ድማ ብሌን ሰገድ፡ ንግሥተ ሳባ ዝብል ስም፡ ስም ሰብ ወይ ሕዝብን ከባብን ዝጠቅስ‘ዩ። ብኣንጻሩ ድማ ስም ሰብ ንስም ዓዲ ከለቅሖ ከም ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ያዕቆብ ደኃር እስራኤል ይጠቅስ። (Hough,2016,p.188, ዘፍ. 45:16-28) ነዚ ዝተላዕለ ኣሠያይማ ዓድን ውልቀ ሰባትን ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ሓደ ካብቶም ነገሥታት ኣክሱም፡ ኣብ 6-7 ክፍለ ዘመን ዝነበረ “እለ ገበዝ“ ዝበሃል ዝነበረ ንመለስ። ዝተረኽቡ ሰናቲምን ጽሑፋትን መሠረት ጌሮም ጸሓፍቲ፡ ቅድሚ ነቢይ መሓመድ ናብ ምድረ ሓበሻ ልኡኻት ምስዳዱ ነጊሡ ከም ዘነብረ ይሰማምዑ። እዚ ንጉሥ ኣክሱም እምበኣር፡ ተወላዲ እዛ ዓዲ እዚኣ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ። (Budge 1928,p.269-270)


7. The Aksumite kingdom, as recorded in the inscriptions of 'Ezana, seems to have consisted of (1) the city of Aksum and the territory round it; (2) three sub kingdoms between Aksum and the coast; (3) a number of tribes in different parts of Ethiopia. The three sub-kingdoms, each ruled by a negus (which was also the title of the king of Aksum), were: (i) that of the Agwezat, elose to Aksum, and the Gäze of the Cosmas inscription, with a 'capital' at a place called 'LBH (DAE. 8, 9); (ii) that of Säräne, if the identification of the river-name Säränä (d'Abbadie, Geod., map 2) is correct, to the north-east (DAE. 10); and (iii) that of Gäbäz, between Säräne and the coast, which ineluded the port of Adulis with a custom-house on the shore (DAE. 8). An ancient trade-route led from Adulis to Aksum and the west (Kyenion, Sennar) which ran through the kingdom of Säräne. These three kingdoms were tributary to Aksum, and after IV are not heard of again; they were, however, the nueleus of what was to become the kingdom of Ethiopia. Another record of a local war carried on by 'Ezana, this time against the Säräne, whose kingdom was A/N, because they had destroyed one of his caravans. This implies that there was a caravan route through Säräne, and in fact there is a river called Säränä on the route from Aksum to Adulis, about twenty-five miles north of Enticcio, which (if this identification is right) would place the Säräne territory between the Agwezat and Gäbäz kingdoms. Of the four 'tribes' (angad) named, one, Sä'ene, recalls a name in a charter (no. 43, Land Charters, p. 51), where the awfdri of Se'en is mentioned, but without any clue to the locality.

(huntigford, The historical geography of Ethiopia : from the first century AD to 1704, pp.61-62)



መወከሲታት

Bebston, A. F. L. (1980). The Authorship of the Adulis throne text. Bulletin of the School of Oriental and African Studies, 43(03), 453. Bowersock, G. W. (2013)


The throne of Adulis: Red Sea wars on the Eve of Islam. Oxford University Press. Budge, E. A. Wallis (1928). A History of Ethiopia: Nubia and Abyssinia (Volume 1)


London: Methuen & Co. p. C. Conti Rossini, “Monete aksumite,” Africa Italiana, Vol. I. (1927): 207.


Conti Rossini, C. (1904) Vitae sanctorum antiquiorum [Gadla Yārēd: Seu Acta Sancti Yārēd. K. de Luigi.


Conti Rossini, C. (1909). Documenta ad illustrandam historiam. I. Liber Axumae. E Typographeo Reipublicae.


Hough, C. (2016.) The Oxford Handbook of Names and Naming, Oxford, Oxford University Press, coll.


Huntingford. B., (1989) The Historical Geography of Ethiopia from the First Century AD to 1704, ed. by Richard Pankhurst, Oxford, Oxford University Press, coll. “Fontes historiae africanae, Series Varia”, no. 4.


Dillmann, A. (1865) Lexicon linguae aethiopicae, cum indice latino. Adiectum est vocabularium tigre dialecti septentrionalis compilatum a W. Munziger, Lipsiae, T. O. Weigel. E. Littmann, Deutsche Aksum-Expedition (Berlin, 1913), Vol. I, 55.


Hahn, W., & West, V. (2016). Sylloge of Aksumite Coins in the Ashmolean Museum. Ashmolean Museum.


Munro-Hay, S. (1991). Aksumite overseas interests. Northeast African Studies, 13(2/3), 127–140.

Phillipson, D. W. (2009). David Peacock & Lucy Blue (eds): The Ancient Red Sea port of Adulis, Eritrea: results of the Eritro-British expedition, 2004-5.

Turner, H. W. (1979). From temple to meeting house: The phenomenology and theology of places of worship (Vol. 16). Walter De Gruyter.


Walter F. (1916). The Oldest Place of Worship in the World, The Scientific Monthly , Jun., 1916, Vol. 2, No. 6 (Jun., 1916), pp. 521-535

9 views0 comments
bottom of page