top of page

ስለ ኣዱሊስ

Acerca de

ኣብ ሠላሳታት ዕድመ ዝርከብ፡ ብዓል ኃዳር'የ። ከም ኵሉ ሰብ፡ ዝንባለ ኣሎኒ። ዝንባለይ ምስ ዝንባለኹም ብኸፊል ወይ ብምልኣት ክሳነ ስለ ዝኽእል፣ ብዛዕባ ታሪኽ፡ እምነት (ሃይማኖት)፡ ቋንቋን ባህልን ዘካፍለሉ መኣዲ "ኣዱሊስ" ኢለ ሠምየዮ ኣሎኹ። ኣዱሊስ ብግሪኸይና ናጻ ሰብ ማለት'ዩ። ይጠቅም'ዩ ዝበልክዎ ሓሳባት፡ ብናጽነት ብመጽናዕታዊ መንገዲ ተደጊፈ ከቕርብ ክፍትን'የ።  

ንምንታይ ግን ብዛዕባ ታሪኽ፡ እምነት፡ ቋንቋን ባህልን ክጽሕፍ ሃቂነ?
ሓደ ቤት ብኣዕኑድ ከም ዝቐውም፡ ሓደ ወዲ ሰብ'ውን ጸኒዑ ንኽቐውም፤ ታሪኽ፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖቱ ዝበሃሉ ኣዕኑድ የድልይዎ። እዞም ኣርባዕተ ኣዕኑድ፡ ንሓደ ሕብረተሰብ ዝጠምሩ መእሰር ሕውነት፡ ሓድነት፡ ፍቕሪ'ዮም። ምስ ካልእ ማሕበረ ሰብ፡ ዘራኽቡ ድልድል'ውን'ዮም። እዞም ኣዕኑድ እዚኦም፡ ነንሕድሕዶም ዝራኸብሉ ኣግማል ኣሎ። እዞም ኣግማል፡ ምስ ካልኦት ህድሞታት ማለት ሃገራትን ሕዝብታትን ዘራኸቢታት'ዮም።    

ብዛዕባ እዞም ኣዕኑድ፡ እትፈልጥዎ ብመጽናዕታዊ ከይዲ እተጻሕፈ ጽሑፍ እንተ ኣሎኩም፡ ኣብ'ዚ ቤት ክቕርብ፡ ማዕጾይ ክፉት'ዩ።  

ሓቢርና ንስራሕ

  • Facebook
  • Twitter
  • LinkedIn
  • Instagram

ኣድራሻ

I'm a paragraph. Click here to add your own text and edit me. It's easy.

bottom of page